መስርሕ መምርሒ ፍቃድ መኪና ንምሕላፍ ኣብ ፈረንሳ
- Dirar HG
- 23 juil. 2024
- 2 min de lecture
Dernière mise à jour : 29 juil. 2024
ኣብ ፈረንሳ መምርሒ ፍቃድ ንምሕላፍ ክልተ መንገድታት ኣሎ። ሓደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ብምምስጋብ ክኸዉን ከሉ እቲ ካልእ ድማ ባዕልኻ ብመንገድኻ ምሕላፍ እዩ። ክልቲኡ ድማ ነናቱ መስርሕ ኣለዎ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ በብሓደ ክንርእዮም ኢና።
ምምስጋብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና
ኣገባብ ምስገባ ፦
ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና እንተተመስጊብካ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ነቲ ኩሉ ወግዓዊ ነገራት መምርሒ ፍቃድ ንምሕላፍ ዘድሊ ዘተግብሮ። ኩሎም መምርሒ ፍቃድ መኪና ክሓልፉ ዝደልዩ፡ ፋይል ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክህልዎም ኣለዎ።
ነዚ ከዳልዉ ድማ ነዚ ዝስዕብ ከማልኡ ኣለዎም።
➢ መንነት ናይቲ ሕጹይ ዘረጋግጽ መርትዖ ከም መምበሪ ፍቃድ ወረቀት።
➢ ናይ ፓስፖርት ስእሊ
➢ ነቲ ሰነዳት ንምፍራም ኣብቲ ቦታ ብኣካል ምርኻብ
ከም ነጻ ሕጹይ ምዝገባ
ኣብ ፈረንሳ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ከይተጠቐምካ ፍቓድ መምርሒ መኪና ምሕላፍ ምሉእ ብምሉእ ይከኣል እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ዝሕለፍ መስርሕ ኣሎ። ነዚ ድማ ብገዛእ ርእስኻ ወይ ብሳልሳይ ኣካል ከተትግብሮ ይካኣል።
እቲ መስርሕ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦
ፍቃድ ምምራሕ መኪና ከም ነጻ ሕጹይ ንምሕላፍ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኤጀንሲ ውሑስ ሰነዳት (ANTS) ናይ ተጠቃሚ ኣካውንት ክትከፍት ኣለካ።
ምስ ተመስገብካ ድማ ነዘን ዝስዕባ ወረቃቅቲ ብኦንላይ ክትሰደን ኣለካ።
➢ መንነትካ ዘረጋግጽ መርትዖ
➢ ናይ ኣድራሻ መርትዖ
➢ ዲጂታላዊ ናይ ፓስፖርት ስእሊ
ኣስተውዕል፡ ትሕቲ ዕድመ እንተኾንካ እቲ ሕቶ ብናይ ወላዲ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ክቐርብ ኣለዎ። ድሕሪ እዚ ምዝገባ እዚ 12 ቁጽርታት ዝሓዘ (NEPH) ዝባሃል መለለዩ ቁጽሪ ይዋሃበካ።
ምስገባ ናይ ቃል ፈተና ንምሕላፍ
ናይ ቃል ፈተና ንምሕላፍ ድማ ብመንግስቲ ፍቃድ ዝተዋህባ፡ ማእከል መፈተኒ ትካላት ብኢንተርነት ተመስጊብካ ቆጸራ ትሕዝ።
ምስገባ ኣብ ግብራዊ ፈተና
ኣብ ግብራዊ ፈተና ንምምስጋብ ነቲ ፈተና ናይ ምውዳብ ሓላፍነት ዘለዎ ናይ ከባቢ ኣገልግሎት ከም ፕረፈክቱኽ ዝኣመሰሉ ናይ ምንግስቲ ትካላት ምዉካስ ይከኣል።
ኣብ መወዳእታ ንኽልቲኡ ናይ ቃልን ግብራውን ፈተናታት ምስ ሓለፈካ፡ ንፍቃድ መምርሒ መኪና ብመርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኤጀንሲ ውሑስ ሰነዳት (ANTS) ትሓትት።
ኣብ ናይ ኦንላይን ትምህርቲ ክትምስገቡ እንተደሊኹም ድማ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ተመስገቡ።
Kommentare