top of page

ሓድሽ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ውህደት ስደተኛታትን ኣብ ፈረንሳ፡ ዕላማታትን ቀንዲ ትሕስትኡን


"ሕጊ ዑቕባን ኢሚግሬሽንን" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓዲሽ ሕጊ ብዕለት 26 ጥሪ 2024 ጸዲቁ። እቲ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀኻልድ ዳኽማና ቀሪቡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ብዙሕ ኣካታዒ ዝነበረ ሕጊ፡ ነቲ ሃገራዊ ባይቶ ዝመረጾ ሕጊ ኣብ መወዳእታት ቤት ምኽሪ ዓቃቢ ቅዋም ፈረንሳ ብዝገበሮ ምጥራይ ኣንጻር ቅዋምና እዩ ዝበልዎ ብዙሕ ንስደተኛታት ዝሃሲ ዓንቀጻት ከምዝእለ ብምግባሮም እቲ ኣብ መወዳእታ ዝጸደቀ ሕጊ መዛናዊ ኮይኑ ክረአ ይከኣል።

 

ሸውዓተ ኣገደስቲ ነጥብታት ናይቲ ዝጸደቀ ሕጊ፤


1. ቁጽጽር ዶባት፤

    - ብደረጃ ሃገር ይኹን ብደረጃ ኤውሮጳ፡ ሓይልታት ምቁጽጻር ዶባት ምሕያል።


2. ንህዝባዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰባት ምስጓግ፤

    - ንህዝባዊ ስርዓት ሓደጋ ክኾኑ ዝኽእሉ ስደተኛታት መንበሪ ፍቃድ ወረቀቶም ምምንጻል ወይ ዘይምሕዳስ።

    - ንህዝባዊ ስርዓት ሓደጋ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ቤትምእሰርቲ ምእሳር።


3. ኣብ ልዕሊ ምዝመዛ ወጻእተኛታት ዝግበር እገዳ፤

    - ንዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ክኣትዉ፡ ክንቀሳቀሱ ወይ ድማ ክቅመጹ ምሕጋዝ ገበን እዩ።

    - ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ንብዘይብሎም ብዘይ ፍቓድ ምንግስቲ ንዝሰርሑ ኣስራሕቲ ምምሕዳራዊ መቕጻዕቲ ምቅጻዕ።


4. ሓደሽቲ ስደተኛታት ምስ ሕረተ ሰብ ፈረንሳ ቀልጢፎም ክወሃሃዱ፡ ቋንቋ ክማሃሩ፡ ስራሕ ክሰርሑ፡ ክብርታት ፈረንሳ ክፈልጡን ከኽብሩን ምግባር።

    - ቅድሚ ምንበሪ ፍቃድ ወረቀት ምሳድ ክብርታት ፈረንሳ ንምኽባር ስምምዕ ውዕል ምፍራም።

    - ነዚ ናይ ክብርታት ፈረንሳ ናይ ምኽባር ስምምዕ ምንጻግ ዘርኢ ባህሪ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ድማ፡ ናይ መንበሪ ፍቃድ ወረቀት ምንጻግ ወይ ምስሓብ።

    - ንዝተፈላለዩ ዓይነታት መንበሪ ፍቓድ ንምዉሳድ በብደረጅኡ ብቑዕ ክእለት ቋንቋ ፈረንሳ ከምዝመልኩ ዝሕብር ምስክር ወረቀት ክቅርቡ ምጥላብ።

    - ፍሉይ ብቅዓት ናይ ሞያ ንዘለዎም ስደተኛታት ቀልጢፎም መንበሪ ፍቃድ ወረቀት ንኽረኽቡ ባይታ ምፍጣር።


5. መሰል ዑቕባ ንምውሓስ ምትዕርራይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ምግባር።

    - መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ንምቅልጣፍ ፈረንስ ኣዚል "France Asile" ዝባሃል ማእከላት ኣብ ምሉእ ምፍጣር።

    - ኣብ OFPRA ናይ ዑቅባ ሕቶኦም ንዝተነጽጉ ይግባይ ዝብሉሉ ቤት ፍርዲ ኣብ ምሉእ ፈረንሳ ምፍጣር። ሕጂ ኣብ ፓሪስ ጥራሕ እዩ ዝርከብ።


6. ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘሎ መስርሕ ክሲ ምቕላል።

    - ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ዘይ ምእሳር።

    - ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከቡ ወጻእተኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ዝገብርዎ መገሻታት ንምድራት ቪድዮ - ኮንፈረንስ ምጥቃም።


7. ምትዕጽጻፍ ፖሊሲ ስደተኛታት ኣብ ካብ ዉሽጢ ፈረንሳ ወጻኢ ዘለዋ ክፋል ፈረንሳ ኣብ ዝኾና ግዝኣታት ከም በዓል ማዮት።

    - ፍሉይነት ናይተን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ግዝኣታት ኣብ ግምት ብምእታው ምስ መትከላት ሪፓብሊክ ፈረንሳ ምዉህሃድ።


እዚ ሓድሽ ሕጊ ንምቁጽጻርን ንምውህሃድን ስደተኛታት ዘተባብዑ ስጉምትታት ሚዛን ንምሃብ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንሪፓብሊካዊ ክብርታት ፈረንሳ ንምኽባር ውሕስነት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ። እቲ ጽገናታት ንዝተፈላለዩ መዳያት መስርሕ ስደተኛታት ዝትንክፍ እዩ። ካብ ምቁጽጻር ዶብ ጀሚሩ ክሳብ ምስርሕ ምሕታት ዑቕባን ምስኡ ዝኸይድ ትካላዉን ፍርዳዉን ኣገባባት ዝጸሉ እዩ።



Kommentare


bottom of page