top of page

Programmes

Chez Megeley, nous offrons des programmes en ligne conçus pour faciliter l'intégration et améliorer la communication dans divers contextes. Nos programmes sont adaptés pour répondre aux besoins spécifiques de nos clients, en mettant l'accent sur l'accessibilité et l'efficacité.

ናይ ስልጠና መደባትና

ንሕረተሰብና ንምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስትታት ዘጠቓለለ ንውህደትን ንህዝባዊ ኣገልግሎታትን ብግቡእ ብምጥቓም ንመዓልታዊ ንጥፈታት ሂወቶም ንምምሕያሽ ዝተዳለዉ ናይ ኦንላይን መደባት ነቕርብ። መደባትና ንፍሉይ ድሌታት ሕብረተ ሰብና ኣብ ፈረንሳ  ንምምላእ ዝተዳለዉ ኮይኖም፡ ኣብ ተግባራዉነትን ኣድማዕነትን ትኹረት ዝገበሩ እዮም።

ምስክርነት (Témoignages)

ሰላም ድራር ሓወይ  ሳላ ናይ ቃል መምርሒ ፍቓድ መኪና ብትግርኛ ምስኻ ስለዝተማሃርኩ ፡ ፈተና ብትግርኛ ብተርጓማይ ተፈቲነ 38/40 ብምምጻእ ኮደይ ሓሊፈ።

እዚ ዉጽኢት ኣብዚ ግዜ እዚ ፈረንሳ ጽቡቕ ገረ ስለዘይመልኽ ኮድ ክሓልፍ ምተጸገምኩ ነይረ። ስለ'ዚ  ብጣዕሚ የመስግነካ ብዙሕ ሓጊዝካኒ  ጽቡቕ ኣበርክቶ ብጣዕሚ ሕጉስቲ እየ ደጊመ የመስግነካ ድራር።

Selam Brhane, Nantes

ሰላም ድራር ሓወይ ፥
ስመይ ኣማሓዳሪ ይበሃል ተማሃራይ #ኮድ ናይ ማኪና እየ። ድራር ሓዊና ከኣ ንትህበና ዘለኻ ስልጠና ከመስግነካ ይደሊ፡ በዓል ሙሉእ ተስፋ እየ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከም ዝዕወት፡ ሳላ'ቲ ብሉጽ ትምርትኻ።
እቶም ናይ ኮድ ጸገም ዘለኩም ምጹ ናብ ድራር ፐጅ ብትግሪኛ ከም ድልየትኩም ጌሩ ከረዳኣኩም እዩ፡ብዝቐለለ መንገዲ።

Amehadari, Cholet

ሰላም ድራር ሓወይ ብጣዕሚ ጽቡቅ ትምህርቲ ኢኻ ትምህር ዘለኻ። ብዙሕ ምሂርካናን ኣፍሊጥካናን ኢኻ እሞ ቀጽሎ። ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሕካ ክንርእየካ ከኣ ተስፋ ይገብር። ኣነ ብወገነይ ኩሉ'ቲ ትህቦ ስልጠና ብጣዕሚ ጽቡቅን መሃርን ኮይኑ ረኺበዮ ንኻልኦት ድማ ክማሃሩ የተባብዕ።

Yordanos Tesfay, Bordeaux

ሰላም ኣምላኽ ንዓዂም ይኹን!

ካብዚ ትምህርቲ ብጣዕሚ ተጠቒመ እየ። ኣምላኽ ረዲእኒ ኮድ ሓሊፈ ኣብ ምዝዋር ኣሎኹ። ድራር ሓወይ ድማ ብጣዕሚ ተገዲሱ እዩ ዝምህር። ኣነ ድማ ከመይ ከምዝጠቀመኒ ይምስክር ኣሎኹ።

ተባረዂ!

Selam, La Roche-sur-Yon

ሰላም ሰላም ድራር ሓወይ ትህበና ዘለኻ ፍልጠት ኣዝዩ ጽፉፍን እሩምን ብምኻኑ የመስግነካ። ኣብዚ ትምህርቲ  ምዝዋር መኪና  ናይ (ቃል) ዘይተሳተፉ  ካልኦት ጉዱሳት ክሳተፉ ይላቦ የቀንየለይ።

 

Yordanos ANDOM, Nantes

ስላም ንኣኹም ይኹን ኩቡራት ኣሕዋተይ ተዛረብቲ ትግሪኛ።

   ኣነ ሓብትኹም ኣልማዝ ዝተባሃልኩ ተቀማጢት ናንተ ኮይነ፡ምስ ሓውና ድራር ድማ ስልጠና ናይ ምምራሕ መኪናን ውህደት ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ይመሃር። ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ ሓውና ድራር ብዝተማሃርክዎ ናይ ቃል (ምምራሕ መኪና)ድማ ክሓልፍ ኪኢለ። እዚ ድማ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩስ ኩላትና እቶም ምስኡ ዝተማሃርና ብዓወት(ብጽቡቕ)ኢና መርመራና እንዛዝም።

   ስለዚ ሎሚ ምስክርነተይ ንኽህብ ዘገደደኒ ነገር እንተሎ፡ነቶም ቋንቋ ናይዛ ሃገር ንዝጽግመኩምን ነዚ መደብ እዚ እውን ንዘይትፈልጥዎ ኣሓትን ኣሕዋትን ምእንቲ ክትጥቀሙን ክትረብሑን ኢለ እየ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። ከምኡ ውን እቲ ትምህርቲ ብትግርኛ፡ እቲ መርምራ እውን ብትግርኛ እዩ። ስለዚ ነቶም እናደለኹም ግን ክእለት ወይ ፍልጠት ዝሓጽረኩም ከምዚ ኸማይ ዓቢ ብስራት አበስረኩም ኣለኹ።

 

ብተወሳኺ እውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝግለጽክዋ ብዛዕባ (ውህደትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን)ዝብል ስልጠና ኣሎ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ብዛዕባ መሰላትናን ሕጊ ናይዛ ሃገርን ብዕሙቅ ዝበለ እንፈልጠሉን እንርድኣሉን እዩ።

ስለዚ ንኩሉኹም መጻኢ ሂወትኩምን ውሉድኩምን ንትግደሱ፡  ንኽትሓብሩና ብኽብሪ ንዕድመኩም ።

Almaz, Nantes

bottom of page